ንፋለጥ ዲና! ( ናይ ፉቑራት ካርድስ)

€14.99

ከም ሕብረተሰብ ቡዙሕ ንዘራረብን ስምዒታትና ንገልጽ ዓይነት ሰባትን ኣይኮናን፣ እዚ ዘስዓቦ ድማ ምስ ኣፍቀርትና ወይ መጻምድትና  ዘለና ጥቡቅ ዝምድና ከነስተኻኽልን ከነደልድልን ኣይካኣልናን። ነዚ ብምርዳእ ኢና ድማ እዛ ንፋለጥ ዲና እትብል ጸወታ ክንምህዛ ዝተገደድና።  እዛ ጌም መጻምድትና  ኣጥዒና ክንፈልጥን ክንርዳእን እንዳዛነየት ክትምህረና እያ።

ከምኡ ውን ኣብዚ እዋን ቴክኖሎጂ ብዝፈጠሮ ተኽእሎታት ናይ ቡን ወግዕናን ከም መጻምዲ ሓቢርካ ናይ ምስሓቕ ልምድናን ባይታ ዘቢጡ'ዩ ዝርከብ፡ ስለዚ እምብኣር ምስ መጻምድትና ይኣኻኽብ'ዩ ዝበልናዮ ጸወታ ብምውናን ሞባይልኩምን ቴለቭዥንኩምን ብምጥፋእ ከም ፍቅቑራት ሓቢርኩም ተዛነይሉን ዝምድናኹም ኣደልድሉን።