ርእሰ-ምትእምማን ምድላብን ጸላዊ ሰብ ምዃንን

€20.99

ቅብሉን ጸላውን ሰብ ንምዃን ዝሕግዙ ሜላታት

እዛ መጽሓፍ እዚኣ ብኸመይ መንገዲ ክትሕግዘካ ትኽእል፧

እስከ ብቕንዕና ንዛረብ፡ ብርግጽ ካብ ካልኦት ሰባት ንደልዮም ወይ ንጽበዮም ነገራት ብዙሓት እዮም። እንተወሓደ ዕርክነተን ተቐባልነትን ንደሊ። ካልኦት ሰባት ዝግብኣና ኣፍልጦን ኣተኲሮን ክህቡና ንደሊ ኢና።  

ሓደ ነጋዳይ ካብ ካልኦት ሰባት ንግድን ስራሕን ክረክብ ይደሊ። ናይ ሓዳር መጻምድቲ ዝኾኑ ሰብኣይን ሰበይትን ካብ ነንሓድሕዶም ፍቕርን ምትሕልላይን ይደልዩ። ወለዲ ካብ ደቆም ክብርን ተማእዛዝነትን ይደልዩ። ዉሉድ ድማ ካብ ወለዱ ፍቕርን ውሕስነትን ይደሊ። ኣስራሒ ካብ ሰራሕተኛታቱ ተኣማንነት፡ ምትሕግጋዝን ኣዕጋቢ ፍርያትን ክረክብ ይደሊ። ሰራሕተኛ ድማ ብመንጽር ጻዕሩ ኣፍልጦን ፍረ-ጻማን ክረክብ ይደሊ። 

ኩልና ደቂ ሰባት ዕዉትን ሕጉስን ዝኾነ ናብራ ክህልወና ንደሊ ኢና። ክሳብ ሕጂ ኣብ ህይወትካ ዝተጎናጸፍካዮም ዓወታት ኮነ ሓጎስ ዝተመልኦም ኣጋጣሚታት ብደቂቅ እንተድኣ ተዓዚብካዮም፡ ናይ ካልኦት ሰባት ተራ ማዕረ ክንደይ ዕዙዝ ከምዝነበረ ክትርዳእ ኢኻ። ምስ ካልኦት ሰባት ዝህልወና ዝምድና ወይ ርክብ ዕዉታት ንኽንከውን ይሕግዘና። “ሕጉስ ናብራ” ዝብል ሓረግ ንዓኻ ብዝጥዕመካ መንገዲ ክግለጽ ዝከኣል እኳ እንተኾነ፡ ዕሙቕ ብዝበለ መልክዕ ብዛዕባ ሕጉስ ናብራ ክትሓስብ ምስትፍትን ግና፡ ናይ ገዛእ ርእስኻ ሓጎስ ኣብቲ ምስ ካልኦት ሰባት ዘለካ ዝምድና ከምዝምርኮስ ክበርሃልካ እዩ።

 

ስለምንታይ ዝደለኻዮ ነገር ንምርካብ ዘይትብገስ፧  

ካልኦት ሰባት ኣብ ህይወትና ከበርክትዎም ካብ ዝኽእሉ ነገራት ክንረብሕ ምድላይና ክንሓፍር ኣይግብእን። ምስ ካልኦት ሰባት ኣብ ንገብሮ ርክብ ዕዉታት ኮይንና ክንወጽእ ብምድላይና ዘሕፍር ኣይኮነን። 

ሕፍረትን ዓቃባውነትን ኣወጊድና፡ ኣብዛ መጽሓፍ ልቢ ንልቢ ተወሃሂብና ክንዛተ ኢና። ካብ ካልኦት ሰባት ክንረኽቦም ንደሊ ነገራት ከመይ ገይርና ክንረኽቦም ከምንኽእል ብሰፊሑ ክንድህስስ ኢና። ኣብዛ መጽሓፍ፡ ዘነቓቕሕ ክልሰ-ሓሳባት ኣምጺአ፡ ሰባት ከመይ ገይሮም ክነብሩ ወይ ዝምድንኦም ከመዓራርዩ ከምዝግብኦም ኣይኮንኩን ክምህር። ወይ ከኣ ከመይ ገይርካ ድሌታትካ ጸቒጥካ ምስ ካልኦት ተመሳሲልካ ትኸይድ ንዝብል ሓሳብ ከራጒድ ኣይደልን እየ። 

ብኣንጻሩ፡ ኣብዛ መጽሓፍ ከጠቓልሎም ደልየ ዘለኹ ሓሳባት፡ ተፈጥሮኣዊ ባህርን ግብረ-መልስን ናይ ደቂ ሰባት ከመይ ይመስል ንዝብል ኣርእስቲ ብስፍሕ ዝበለ መንገዲ ምስህሳስ እዩ። ናይ ደቂ-ሰባት ባህርን ንነገራት ዘህብዎ ግብረ-መልስን ብግቡእ ተረዲእካ፡ ኣብ ጥቕምኻ ምውዓልን ትደልዮ ዘበለ ምርካብን ክንመሃር ኢና። ድልየታትካ - ካብ ሓላፊኻ ክትረኽቦ ትደሊ ናይ ደሞዝ ወሰኽ ክኸውን ይኽእል፡ ካብ ዓማዊልካ ከመጸካ ትደልዮ ተወሳኺ ናይ ንብረት ትእዛዝ ወይ ድማ ካብ ጎረባብትኻ ክትረኽቦ ትደሊ ፍቕርን ተቐባልነትን ክኸውን ይኽእል እዩ። 

“ፍልጠት ሓይሊ እዩ” ክብሃል ሰሚዕና ኣሎና። ኣብዛ መጽሓፍ ንዘራረበሉ ‘ፍልጠት’ ብዛዕባ ተፈጥሮኣዊ ባህሪ ደቂ-ሰባት ድኣ’ምበር፡ ብዛዕባ’ቲ ጸሓፍትን ናይ ክልሰ-ሓሳብ ተመራመርትን “ክኸውን ኣለዎ” እናበሉ ዝምህሩና ኣይኮነን። ብዛዕባ’ቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ተፈጥሮኣዊ ባህርያት ደቂ-ሰባት ምፍላጥ፡ ካብ ካልኦት ሰባት ንደልዮም ነገራት ብቕልል ዝበለ መንገዲ ንኽንረኽቦም ይሕግዘና። 

ኣብዛ መጽሓፍ ተዘርዚሮም ዘለዉ ሜላታት፡ ኣዝዮም ከበድትን ኣብ ናይ ሕልሚ ዓለም ኮይነ ዝሃንደስክዎም ክልሰ-ሓሳባትን ኣይኮኑን። ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ዝምድናታት ደቂ-ሰባት ኣተኲረ ካብ ዘካየድክዎም ሕክምናውያን መጽናዕታትን ግብራዊ ምርምራትን ዝመንጨዉ ሜላታት እዮም። ብኣሻሓት ኣብ ዝቑጸሩ ሰባት ተፈቲኖም’ውን እወታዊ ውጽኢት ዘርኣዩ ሜላታት እዮም።