ግህሰት Ghset

€21.99

ግህሰት ብ ዳዊት እስጢፋኖስ፡

በቲ ዝሰማዕናዮ ታሪኽ ኣዚና ተገሪምና። ቃላት
ከይተለዋወጥና ንሓያሎ ደቓይቕ ተጠማመትና። ቀዲሙ ክዛረብ
ዝደፈረ የለን። ካብ ክልቴና ኣብ’ታ ትሕቲ ገረብ ኮፍ ኢልና ክነዕርፍ
ዝመረጽና ክንመስል፡ ዝሓለፈን መጻኢን እንዳስተንተንና በብወገንና
ብሓሳብ ንድሕሪት – ንቕድሚት ብናይ ሓሳብ ማዕበል ውሽጥና
ተሓመሰ። “ኣይገርመካን?” በለኒ ኣማኑኤል። “መቸም ርግጸኛ’የ እዚ
ታሪኽ ቦኽሪ እዝንኻ’ዩ ” ኢሉ ገለ ክብል ተጸበየኒ። ኣነ’ውን ብሓቂ ንጉስና
ወዲ-ጓሳና ምዃኑ ንመጀመሪያ ግዜ ሕጂ ከም ዝሰማዕኩ እታ “ንጉስ
ጫለዳ” እትብል ግን ሓሓሊፈ ይሰምዓ ከምዝነበርኩ፡ ይኹን’ምበር
ትርጉማ ይርዳኣኒ ኣይነበረን። ሓቲተ’ውን ከምዘይፈልጥ ነገርክዎ።
ተመሊስና ናብ’ቲ ስቕታ ተሸመምና። ነዊሕ ሰዓት’ውን ኣዕረፍና’ሞ፡
ጽልግልግ ምስበለ እተን ዝርካበን ሰከምና ተሰኪምና ጉዕዞ ጀመርና’፡
እወ! ጉዕዞ ካብ ግህሰት ንምህዳም ጉዕዞ ᎐ ᎐ ᎐ ኣማኑኤል’ውን “ግዜ”
ክብል ነታ ዝፈትዋ ሓውሲ መዝሙር ብቓሉ ዝወጽኣ ገላጺት ግጥሚ
ከስምዓኒ ጀመረ……
ካብ መጽሓፍ ግህሰት ዝተወስደ።