ናይ ሕጂ ሓይሊ

€19.99

ገለ ካብ መጽሓፍ

ኣብ ሕሉፍ ተፈጺሙ ዝፈልጥ የልቦን: ኣብ ሕጂ እዩ ተፈጺሙ። ብዛዕባ ሕሉፍ እትሓስቦ ከም ኣብ ኣእምሮ ናይ ቅድም ሕጂ ዝተኸዘነ ኣሰር ዝኽሪ እዩ። ንሕሉፍ ክትዝክር ከሎኻ ንኣሰር ዝኽሪ ዳግማይ ተበራብር- ሕጂ ኢኻ ድማ ትገብሮ። እቲ መጻኢ ናይ ኣእምሮ ግምት ኣብ ሓሳብ ዘሎ ሕጂ እዩ። እቲ መጻኢ ክመጽእ እንከሎ ከም ሕጂ እዩ ዝመጽእ። ብዛዕባ መጻኢ ክትሓስብ እንከሎኻ ሕጂ ኢኻ ትገብሮ። ሕሉፍን መጻኢን ናቶም ክውንነት ከምዘይብሎም ግሉጽ እዩ። ልክዕ ከም’ቲ ወርሒ ናታ ብርሃን ዘይብላ ግን'ከ ጸሓይ ብርሃን እተንጸባርቕ ከምኡ እውን ሕሉፍን መጻኢን ሃሳስ ነጸብራቕ ብርሃን ሓይሊን ክውንነትን ናይ ዘልኣለማዊ ህልው እዋን እዮም። ክውንነቶም ካብ ሕጂ እተለቅሕዎ እዩ።

ኣብ'ዚ ሕጂ ኢኻ እትነብር።

ናይ ሕጂ ሓይሊ።

ጸሓፊ ኤክሃርት ቶለ ትርጒም ነጋሽ ኣስፍሃ